Cart

 

ናይ ህዋ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኦንላይን ዝወሃቡ ትምህርቲታትን ሰርቲፊኬታትን ዝርዝር

EgSA ናይ ህዋ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፖርታል ኣብ ክፍሊ ትምህርቲ ህዋ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዘድሀቡ/ፍሉይ ጠመተ ዝህቡ ብዙሓት ናይ ኦንላይን ስልጠና ትምህርቲታትን ሰርቲፊኬታትን የቕርብ። እዞም ዝወሃቡ ትምህርቲታት ኣብ ብዙሓት ቀልብኻ ዝስሕቡ ዝተቐድሑ ናይ ቪድዮ ትምህርቲታት ተመርኲዞም ዝወሃቡ እዮም። ነዚ ፖርታል እዚ ዘጠያሾን ዝቆጻጸሮን Egyptian Space Agency ( EgSA) ( ናይ ግብጺ ናይ ህዋ ኤጀንሲ) እንተኾን ከም ናይ ሳተላይት ምህንድስና ዝሽፍን ሞያዊ ትምህርቲ፡ ናይ ሳተላይት ክፋል-ስርዓታት፡ ናይ ህዋ ክፍሊታት ርክብ ሳተላይት ( space segment,) ፡ ናይ ምድሪ ክፋላት ርክብ ሳተላይት ( ground segment) ን ዝበሉን ካልኦትን ትምህርቲታት ዝህብ እዩ። 

እቶም ዝወሃቡ ትምህርቲታት ካብ ናይ ጀማሪ ደረጃ ጀሚሮም ቀስ እንዳበሉ ናብ ላዕለዋይ ሞያዊ ደረጃ ዝዓብዩ እዮም። እቶም ዝወሃቡ ትምህርቲታት፡ ፈተናታትን ሰርቲፊኬታትን ኩሎም በዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ደረጃታት ትምህርቲን ሰርቲፊኬታትን ኣቢሎም ብ ኦንላይን ዝወሃቡ እዮም።

  • ሞያዊ መረጋገጺ ሰርቲፊኬት ዝተውሃቦ ናይ ህዋ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ተቖጻጻሪ
  • ሞያዊ መረጋገጺ ሰርቲፊኬት ዝተውሃቦ ፍሉይ ክኢላ ናይ ህዋ ቴክኖሎጂ
  • ሞያዊ መረጋገጺ ሰርቲፊኬት ዝተውሃቦ ፍሉይ ክኢላ ናይ ህዋ ኣሰራርሓ ቁጽጽርን ማኔጅመንት።

እቶም ዝወሃቡ ትምህርቲታት ክልቲኡ ስነ-ሓሳባዊን ተግባራዊን ኣርእስትታት ናይ ህዋ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዝሽፍኑ እዮም። እቶም ዘለዉና ሞያዊ መረጋገጺ ሰርቲፊኬት ዝተወሃቦም ኣሰልጠንቲን ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ቀረጽቲን ኣብ ኩሉ ናይ ሳተላይት ምህርቲ ደረጃታት ዝሰርሑ ብምዃኖም ብሞያኦም ኣዝዮም ብቑዓት እዮም። እቲ ዘለዎም ተሞክሮ ምምሃር ትርጉም ዘለዎን ዘሐጉስን ክኸውን ድማ ይገብሮ።

ሐዚ ምዝገባ ብምክያድ በዓል ሰርቲፍኬት ኩን፡ ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተደሊኻ ናብ info.portal@egsa.gov.eg ኢሜይል ብምግባር ኣዘራርበና። 

ኣገደስቲ መራኸቢታት፡ መእተዊ ገጽዋጋታትነጻ ናይ ትምህርቲ ዕድላትብሮሸራትርኸበና

ዝርዝር ትምህርቲታት (The courses are available in English language only)

ሞያዊ መረጋገጺ ሰርቲፊኬት ዝተውሃቦ ናይ ህዋ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ተቖጻጻሪ

1 ናብ ህዋ ምህንድስናን ናይ ሳተላይት ተልእኾን ኦንላይን ትምህርቲታት መእተዊ ዝርዝራት
2 ናይ ህዋ ከባቢን ኣብ ናይ ሳተላይት ስርዓታት ዝህልዎ ጽልዋን ኦንላይን ትምህርቲ መእተዊ ዝርዝራት
3 ናይ ሳተላይት ስርዓታት ምህንድስና ኦንላይን ትምህርቲ መእተዊ ዝርዝራት
4 ናይ ኦርቢታል ሜካኒክስ ኦንላይን ትምህርቲ መእተዊ ዝርዝራት
5 ናይ ሳተላይት ክፋላት-ስርዓታት ኦንላይን ትምህርቲ መእተዊ ዝርዝራት
6 ናይ ሳተላይት ኣገጣጥማ፡ ምውህሃድን ሙከራ ምክያድን ኦንላይን ትምህርቲ መእተዊ ዝርዝራት
7 ናይ ህዋ ፕሮጀክት ማኔጅመንትን ትልሚ ኣወጻጽኣን ኦንላይን ትምህርቲ መእተዊ ዝርዝራት

ሞያዊ መረጋገጺ ሰርቲፊኬት ዝተውሃቦ ፍሉይ ክኢላ ናይ ህዋ ቴክኖሎጂ

8 ናይ ሳተላይት ክፍሊ ኣካላት ንድፊን ሜካኒካዊ ኣካላትን ኦንላይን ትምህርቲ መእተዊ ዝርዝራት
9 ናይ መቐት ተቖጻጸርቲ ክፍላት-ስርዓታት ሳተላይታት ኦንላይን ኮርስ መእተዊ ዝርዝራት
10 ናይ ሳተላይት ኤሌክትሪካዊ ሓይሊ ክፍል-ስርዓት ኦንላይን ትምህርቲ መእተዊ ዝርዝራት
11 ናይ ሳተላይት መጠን ሰኸም ክፍል-ስርዓት ኦንላይን ትምህርቲ ዝርዝራት
12 ናይ ሳተላይት ኩነታት ኣቀማምጣ መፍለዪን መቆጻጸሪን ክፍል-ስርዓት ኦንላይን ትምህርቲ ዝርዝራት
13 ናይ ሳተላይት ርክብ፡ ናይ ቴሌሜትሪ ኣሰር መድለዪን ናይ ዕዝ ክፍላት-ስርዓታትን ኦንላይን ትምህርቲ ዝርዝራት
14 ናይ ሳተላይት ኦን-ቦርድ ኮምፒውተር ክፍል-ስርዓት ኦንላይን ትምህርቲ ዝርዝራት
15 Using Artificial intelligence in space imaging systems and its applications Online Course. ዝርዝራት

ሞያዊ መረጋገጺ ሰርቲፊኬት ዝተውሃቦ ፍሉይ ክኢላ ናይ ህዋ ኣሰራርሓ ቁጽጽርን ማኔጅመንት።

16 ናይ ምድሪ ኣቀባብላ ሜጅመንት ኦንላይን ትምህርቲ ዝርዝራት
17 ናይ ሳተላይት ማእኸል ቁጽጽር በረራ ኦንላይን ትምህርቲ ዝርዝራት
18 ናይ ሳተላይት ናይ ምድሪ ቁጽጽር ጣቢያ (Satellite Ground Control Station (GCS)) ንድፊ ኦንላይን ትምህርቲ ዝርዝራት

To Top